12 መጋቢት 2016 ዓ.ም፤ ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ኢስማስን ካብ ዕፅዋን ክባን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ጥዕና ኣድሂቦም ዝተኻየዱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቐርቡሉ 9ይ ዓለም-ለኸ ዓዉደ መፅናዕቲ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬን ሆስፒታል ዓይደርን ንዝርከቡ ዝተወሰኑ ተሓከምቲ ምርመራ ሕክምና አካይዶም ።
ነቲ ጉጅለ መሪሖም ዝመፁ ፕሮፌሰር ኣልዶ ሞሮነ ” ኩነታት ተመዛበልቲ ከምዝረአዩን ዘለውዎም ፀገማት ቡዙሕ ከምዝኾነን ዝምልከቶም ኣካላት ተመዛበልቲ ናብቲ ንቡር በቶኦም ክምለሱ ምእንታን ብውነ ክስራሕ ከምዝግበእ ሓቢሮም። ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ድሕሪ ምግባር ፤ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ግልጋሎት ካብ ሕሉፍ ግዘ ዝነኣሰ ምዃኑን ድሌት ተጠቃማይ ዘይማልእ ምዃኑ ኣብሪሖም። ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ኣብ ፀገም ዘሎ ምዃኑ ከምዝተረድኡን ኣድላይ ሓገዝ ክገብሩ ምዃኖም ኣብሪሆም” ።



