1) ኽታበት ፀረ-ሕማም ኮሮና (COVID-19)፦ ንልዕሊ 12 ዓመት (ንሓደሽቲ፣ ኸምኡውን መጠናኸሪ/ቅድሚያ ቅድሚ 6 ውርሒ ንዝወሰዱ)፣
2) ኽታበት ሕማም መንሽሮ ኣፍደገ መህፀን – ንደቂ 14 ዓመት ኣባፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ፣
3) ዝተቋረፀ ስሩዕ ኽታበት ወይ ዜሮ ዶዝ ንትሕቲ 2 ዓመት ህፃናት፣
4) ዳህሳስ ሕማም ፊስቱላን ምልቆ ማህፀንን፣
5) ዳህሳስ ኬባዕ እግሪ ቆልዑት፣
6) ካልኦትን ከም ነፀርታ ሕማም ዓባይ ሰዓል (ቲቢ) ፤ ወዘተ
እዚ ወፍሪ ንተኻተተልቲ 10 መዓልትታት ማለት’ዉን ካብ ዕለት 9 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ክቕፅል እዩ።