ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ” ኣብ ቀረባን ተጠቃምነትን ክንክን ኣዴታትን ህፃናት ከምኡ እውን ክታበት ኮቪድ -19ን ዘለዉ ባህርያውን ማሕበራውን ትካላውን ህልዊ ኩነታት ትግራይ” ዝምልከት ፅንዓት እዩ ተኻይዱ ዘሎ። እዚ መፅናዕቲ ፍልይ ዘብሎ እተን ዝተረኸባ ሓገዝ 5 ኣርእስቲ ከም ሓደ ርእሲ ወሲድኻ ተዋዲድኻ ምስራሕ ዝተርአየሉ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ፀገም ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ኾይኑ ንዝምልከቶም ኣካላት ክበፅሖም ምግባርን ኣብ ቐፃላይ እንሰርሖም ስራሕቲ ሓጋዚ ክኸውንን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርና ክነሰርሕ ይግባእ ኢሎም።”
ትሕዝቶ እዚ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዂናት ካብ ዝተወለዓሉ ጥቅምቲ 2013 ክሳብ ሓምለ 2015 ዓ.ም ዝነበረ ኩነታት ኣቕርቦትን ተጠቃምነትን ክንክን ኣዴታትን ህፃናት ከምኡ እውን ክታበት ኮቪድ -19ን ዘለዉ ባህርያውን ማሕበራውን ትካላውን ህልዊ ኩነታት ትግራይ” ኣድሂቡ ብዝተዋደደ መንገዲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ እዩ።
ኣብቲ መፅናዕቲ 6 ትሕዝቶት ዝሓቆፈ እዩ።
1. ክንክን ኣዴታት
2. ፌስቱላን ሙልቆ ማህፀንን
3. ክታበት ንፍዮ
4. ሽፋን ክታበት
5 ኣጠቓቕማ ዛንዜራ
6. ቕቡልነት ተጠቓምነትን ክታበት ኮቪድ-19
ውፅኢት መፅናዕቲ
ተጠቃምነት ትልሚ ስድራ ካብ ዝነበሮ 36% ናብ 28% ከምዝቐነሰ ፣
31% ተጠቀምቲ ትልሚ ስድራ ብሰንኪ ስእነት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብሃንደበት ከምዝተቓረፀ
28% ኣዴታት ድማ ብዘይመረፅኦ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀማ ከምዝተገደዳ
31% ዘይተደለየ ወይ ድማ ዘይተተለመ ጥንሲ ዘጋጠመ ምዃኑ
25% ክትትል ቅድመ ወሊድ ዝተቓረፀ ምዃኑ
61% ኣዴታት ካብ ጥዕና ትካል ወፃኢ ምውላደን ካብዚኣተን ድማ 12% ኣብ ባዕቲ፣ ድሩን መንገድን ከምዝወለዳ ፤ እዚ ብምዃኑ ድማ ሞት ኣዴታት ሓናጡን ብልዑል መጠን ክውስኽ ገይሩ እዩ።
ተጠቃምነት ክትትል ድህረ ወሊድ ናብ 20% ሽፋን ከምዝወረደ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።
ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ
23 ሕዳር 2016 ዓ.ም
