ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን አጀንሲ መድሕን ጥዕና ኢ/ያ ጨንፈር መቐለን ብምትሕብባር ” ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ኣብ ትግራይ ንምጅማር ዘሎ ኩነታት ንምፅናዕ ” ምስ USAID Health Financing Improvement Program ብምትሕብባር ንኣከብቲ ሓበሬታ ስልጠና ክወሃብ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ 11 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ተዛዚሙ ኣሎ።
ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ናይ ምጅማር ዋዕላ ዝተረከብ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ ኣብ ዘሕለፈዎ መልአክቲ “ዕላማ ስርዓት መድሕን ጥዕና ዜጋታት ቀዲሞም ብዝኸፍልዎ መዋጮ ፀገም ጥዕና ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ብዘይ ስግኣት ክፍሊት ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ብሕሕባር እዚ ንምቕፃል ግን ህልዊ ኩነታት ትግራይ ምርኣይ ከድሊ እዩ ኢሎም። “ነዚ መፅናዕቲ ንምክያድ ካብ ሓሳብ ክሳብ ናብ ተግባር ንምቕያር ዓብይ ፃዕሪ ዝገበሩ ኣካላት ብምምስጋን፤ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዝካየድ መፅናዕቲ ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታት ብሓቂ ዘርኢ ክኸውን ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ ኩልና ብውነ ነዚ ተረዲእና ኣብዚ ስልጠና ዝወሃቡ ሓሳባት ሒዝና እቲ ዝምላእ መሕትት ብግቡእ ክንመልእን ፅፈት ዘለዎ ስራሕ ብምስራሕ ሕብረተሰብና ተጠቃማይ ዝኾነሉ ኣገባብ ንከህሊ ፃዕርን ተበግሶን ክህሊ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።”
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ “ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ብቑልጡፍ ንምጅማር፤ ፈለማ ሕብረተሰብና ብዛዕባ መድሕን ጥዕና ዘለዎ ርድኢት፣ ክፍሊት፣ ድሌቱን ካልእን ዝምልከት ብጭቡጥ እንታይ ምዃኑ ሓቃዊ መረዳእታ ክድገፍ ይግባእ ኢሎም። ስለዚ እዚ ንምስራሕ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይን ዩኒቨርስቲ መቐለን USAID Health Financing Improvement Program ብሓባር ብምዃን እቲ መፅናዕቲ ክካየድ እዩ። ብተመሳሳሊ ካልኦት ሃገራት ድሕሪ ዂናት መድሕን ጥዕና ከመይ ከምዝጀመርዎን ምስ ናትና ዓዲ ክኸይድ ዝኽእል ተሞክሮ ክንረኽበሉ ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መፅናዕቲ ንሕትመት ዘይኾነስ ህዝብና ከመይ ከምዝርባሕ፣ ንዝምልከቶም ኣካላት ንምብፃሕን ኣብ ዓዲ ውሽጥን ወፃኢን ዘሎ ህዝብናን ገበርቲ ሰናይን ሓቃዊ መረዳእታ እነርእየሉ መፅናዕቲ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። “
ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ብግድኦም ” ቅድሚ ዂናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ህዝቢ ኣባል ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሐዚ ግን ዘለዎ ኩነታት ንምፍላጥን መፍትሒ ሓሳባት ንምቕማጥ ሳይንሳዊ ኣገባቡ ብዝተኸተለ መልክዑ መፅናዕቲ ምክያድ ግድን ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና፤ ስለዝኾነ እቲ ዝእከብ መረዳእታ በቲ እትወስድዎ ስልጠና መሰረት ብምግባር ብሓቂ ሰሪሕና ህዝብና ኣብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ተጠቃማይ ክንገብሮ ይግባእ ኢሎም።



